https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7047
ቤት ፅሕፈት ኣገልገሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መስዋእቲ ንዝ/የ ዝርገሐ መስተ ማይ ዝውዕል ፕላስቲክ ቱቦ፣ ብረት ቱቦ፣ መገጣጠሚ ቆፃሪትን ካልኦት መሳርሕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 5, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 02:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ተጫራቶ ጨረታ ሰነድ ካብ 04/08/2011ዓ/ም ክሳብ 22/08/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ቀዳም ሓዊሱ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ እንዳ መኾኒ ከተማ መስዋእቲ ጥቃ ፖሊስ ጣብያ ዝርከብ ቤት ዕዮና እናመፃእኩም ክትወስዱ ከምትክእሉ ንሕብር፤

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ሽም ኣድራሻን ማህተምን ክህልዎ ኣለዎ፤

2 ናይ ዘመኑ ናይ ግብሪ ከፋላይነት ወረቀት ዘሐደሰ

3 ናይ መቅራይነት መለለይ ካርድ ዘለዎ፤

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 መከበሪ ጨረታ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ኣገልገሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መስዋእቲ ከትሕዙ ኣለዎም፤

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ዝክእሉ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 04/08/2011ዓ/ም ክሳብ 22/08/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ምግዛእ ይከኣል፡

7 ሰነድ ጨረታ 22/08/2011ዓ/ም ሰዓት 2፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፤

8 ሰዓራይ ጨረታ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልትታት ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፤

9 እቲ ኣቅሓ ውዕሊ ካብ ዝኣረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ከቅርብ ኣለዎ፤

10 ንመከበሪ ጨረታ 10 ሚኢታዊ የትሕዝ፤ እቲ ንብረት ምስኣእተወ ድማ ምሉእ ብምሉእ ይልቀቀሉ፤

11 እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

12 ተጫረቲ ናይ ኩሎም መረዳእታ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ኣለዎም፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0942-757033/0914-239155 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤