https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7012
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓውዜን ንዝ/ያ ሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 18, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ሓዉዜን
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 18, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ዘለኩም፤ ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልኩም፣ ቲን ካርዲ መረዳእታ ዘለኩም ፣ ቫት ተመዝገብቲ  ዝኮንኩም፣ ናይ ወርሒ ጥሪ ዲክላርስዮን ዝገበርኩም፣ ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ኣተሓሐዙ ዘቅርብ፤

2 ናይ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መከበሪ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓውዜን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቁፅሪ 01 ምውሳድ ይከኣል፡፡

4 ካብ ዕለት 02/08/2011ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ጨረታ ዶክመንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክመንት ብምምላእ ኦርጂናልን ኮፒን ነነበይኑ ኣብ ዝ/ያ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይርሉ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓውዜን 01 ዝተዳለወ ሳንዱቅ የኣቱ፡፡

5 ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/08/2011ዓ/ም 8፡00 ናይ ደ/ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 8፡30 ይክፈት፡፡

6 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ናይ  መከበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ በመምርሒ ዕደጋ መሰረት ይምለሰሉ፡፡

7 እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ ተዘይኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መ/ቲ ካዝና ኣታዊ ይከውን፡፡ በተወሳኪ ብመመርሒ ዕደጋ እውን ይሕተት፡፡

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-670078 ምድዋል ይከኣል፡፡