https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6996
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ዝውዕል ብናይ መደበኛ በጀት ሴፍቲኔት ናውቲ ቢሮ፣ በርን መስኮትን፣ መዂዓቲ ብማሽን ክራይ ብፕሮፎርማ አወዳደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ራያ ዓዘቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2011 03:31 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ማሽነሪ ክራይ/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ፤

2 ተመዝጋቢ ቫት ዝኮነ ብእዋኑ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን፤

3 ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 03/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 10/08/2011 ዓ/ም ይከዉን።

4 ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/08/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኸዉን።

4 መክበሪ ፕሮፎርማ 5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 እቲ ሰዓራይ እቲ ንብረት በበዓል ሞያ ተፈቲሹ ቅቡል ምስኾነ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን። ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስር ዝክእል፤

6 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ  ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል።

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-640172/0346-640209 ምድዋል ይከኣል።