https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6943
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኣብ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት 3ይ መንፈቅ ዓመት ካብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ዝተኣከቡ ዝተፈላለዩ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 1, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ኣፅቢ ወንበርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ዋና ምስ ቅዳሕ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ይፅሓፍ፡፡

2 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ መረዳእታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ማህተሞምን ከዕርፉ ይግባእ።

3 መኸበሪ ጨረታ ንስብርባር ሓፂን ወንበር መቀያየሪ ኣቅሑት፣ መኪናን ኣቅሑት ማይ ቡንቧን ኤሌክትሮኒክስ ንኩሉ ዓይነት ንብረት 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ኾይኑ ከትሕዝ ኣለዎ።

4 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከልዕሉ ዝኽእሉ፤

5 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ወይ ሰነድ ኣብ ዝተማልአሉ ይክፈት፡፡

6 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 30 መዓልቲ ይኸውን።

7 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

8 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 25/07/2011ዓ/ም ክሳብ 10/08/2011ዓ/ም ዘሎ ግዜ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 10/08/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

መብርሂ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ 0343-400033 /0343-400010 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።