https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6937
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ናይ Office Machine Maintenance ስልጠና ንሰራሕተኛታቱ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከሰልጥን ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መጋቢት 28, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 17, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 17, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ገዛ ኣቁሑት፡ በርን መስኮት/ ትምህርቲን ትሬይንግ/

ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።

3 ናይ ወርሒ ጥሪ ቫት ዲክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

5 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም 10 ሚኢታዊ ውዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ካብ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።

6 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በቢመዓልቱ 0.1 ሚኢታዊ ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ፤

7 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 27/07/2011 -17/08/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

8 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ