https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6874
ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም 2ይ ፍርቂ ዓመት ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኣዉቶ ሞቲቭ ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ኤሌክትሪክ ፣ ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃን፣ ብብርኪ ክልል ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 25, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሉቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:ሐመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉን፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/ VAT ዝተመዝገብኩም: VAT ምዝገባ ሰርተፈኬትን ናይ ወርሒ ለካቲት VAT ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን::

4 ናይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ተ ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ አብ ሑመራ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ክትቕርቡ እትኽእሉ::

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ : ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፌርማን ዝዓርፎ ክኸዉን አለዎ::

7 ዋናን ቅዳሕን ብምባል ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺግኩም ክተቅርቡ ይግባእ

8 ተጫረቲ ንነብስወከፍ ዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ካብ 24/07/2011 ዓም ክሳብ 08/08/2011 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ እናመፁ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ይክእሉ፡፡ 

9 ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ መከበሪ ጨረታ ንመሳረሒ ፅሕፈት 4000 ቅርሺ፣ ንኣዉቶሞቲቭ 3500 ቅርሺ፣ ንኤሌክትሮኒክስ 3500 ቅርሺ፣ ንኮምፒተርን ተዛመድትን 8000 ቅርሺ፣ ንኤሌክትሪክ 7000 ቅርሺ፣ ንመሳርሒ ህንፃ 4000 ቅርሺ፣ ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብጥረ ገንዝብ ወወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብሽም ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣስሪሖም ከትሕዙ ይግባእ፡፡

10 እቲ ጨረታ 09/08/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 06 መቐለ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ኣይተኣጎጎልን፡፡

11 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እቲ ኮሌጅ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0344 480510/11 ወይ ድማ ብሞባይል 0914-259187 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::