https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6843
ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ዝኣረጉ ናይ ዝ/ዩ መካይን ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትደልዩ እዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 25, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ካብ ዘቅርብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚኢታዊ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤

2 ናይ ጨረታ መከበሪ ካብቲ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚኢታዊ ዝነኣሰ ዘትሕዝ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስርዝ ምዃኑ፤

3 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 25/07/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 09/08/2011ዓ/ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 100.00 (ሓደ ሚኢቲ ብር) ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ናይ ጨረታ ዶክመንት ብፖስታ /ብሽምዒ/ ብዝትዓሸገ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ዝግበረሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 25/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 9/08/2011ዓ/ም ክሳብ ንግሆ ሰዓት 3፡00 ዘሎ ግዜ ይከውን፡፡

5 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ሰዓት 3፡30 አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን::

6 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ

7 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ