https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6824
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ መደበኛ በጀት ን2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና በጀት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መካይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 23, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ኮይኖም ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ መረዳአታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

2 መለለይ ቁፅሪ ቲን/TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገቡን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን::

4 ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ዝተሐደሰ መታወቂያ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ወርሓዊ ዲክላሬሽንን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ከቕርቡ ዝክእሉን::

6 ተጫራታይ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘወፀኦ ዝርዝር ወፃኢ ምቕራብ ኣይከአልን፡፡

7 ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መወዳደሪ ዝቀረበሎም ሰንጠረዥ ሽምን ክታም ኣድራሻን ማህተምን ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ከስፍሩ አለዎም::

8 ጨረታ ዝወፀሉ /ዝቃለሐሉ/ ዕለት 23/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 2:30 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዝኽፈተሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ይከዉን፡፡

9 ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፍል ሰነድ ጨረታ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይክእሉ፤

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

11 ኣድራሻና ጥቃ ቐዳማይ ብርኪ ሃፀይ ዮውሃንስ ቤት ትምህርቲ ብኣካል ብምቅራብ ክወስዱ ይክእሉ

ንተወሳኺ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-402420/411201 ብምድዋል ምሕታት ይኽእሉ፡፡