https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6808
ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ዋና ቢሮ ንባንኪ ግልጋሎት ዝውዕል ባንኮኒ ዕንጨይትን ብረታ ብረትን ፍቃድ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትደልዩ እዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 20, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:30000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/ ስራሕቲ ኣልሙኒየምን ኣቁሑትን/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ምስክር ወረቀት፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክርነት፣ ግብሪ ክፍሊት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን ዝገልፅ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤

2 CPO ብር 30000.0 ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤   

3 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19/07/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 04/08/2011ዓ/ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 150.00 (ሓደ ሚኢቲይ ሓምሳይ ብር) ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ደክመንት ፈሪሞምን ከምቲ ክሽየጥ ተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡ ዝተጓደለ ብትክክል ዘይተመልአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን፡፡

5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ባንኮኒ ፋይናንሻል፣ ሓደ ኦርጂናልን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ውሕስና ሰነድ ሲፒኦ አብ ዝ/የ ፖስታታት ተዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣታዊ ይከውን፡፡

6 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 04/08/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ሰዓት 3፡30 አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን::

7 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ

8 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ