https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6780
ሆስፒታል ማይኒ ሽራሮ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም 2ይ ፍርቂ ዓመት ዕድጊት ንምፍፃም ስለዝድለየ ሕጋዊ ናይ መኪና መለዋጢ ኣቅሑት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቀሑ ቢሮ፣ ሕትመት፣ ኮምፒዩተራት ተዛመድቲ፣ ኣቀሑት ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ፅሬት፣ ዓለባን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 19, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ሽራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 በዚ ዘርፋ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2011 ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ዘለኩም፤

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ (ቲን ናምበር) ዘለኩም

3 ናይቲ ዘፈር ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለኩም

4 በቲ ዘፈር ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ዘለኩም

5 ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺግኩም ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ተእትዉ፤

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሆስፒታል ማይኒ ሽራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክትወስዱ ትክእሉ።

7 ኩነታት መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን እቲ ንብረት ብናይ ሆስፒታል ሽራሮ ዝሽፈን ይከውን።

8 ሰዓራይ ጨረታ ዝሰዓርክምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ስፒኦ ወይ እዉን ቼክ 10% ዉዕሊ መከበሪ ክተትሕዙ አለኩም።

9 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዝብ ብሕጋዊ ስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ 5000.00 ቅርሺ ክተትሕዙ አለኩም

10 ሰነድ ጨረታ ካብ 19/07/2011ዓ/ም ክሳብ 04/08/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

11 ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 04/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 04/08//2011 ዓ/ም 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን።

12 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ 60 መዓልቲታት ይከዉን።

13 እቲ ቤት ዕዩ ሰዓራይ ካብ ዝመረፀሉ እዋን ዝግዛእ ንብረት ክም ኣድላይነቱ ካብ ነብስ ወከፍ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ።

14 ናይ ነብሲ ወከፍ ንብረት ዋጋ ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ሰንጠረዥ ብንፁር ክምላእ አለዎ።

15 እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0348-500071/0348-500074 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።