https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6778
ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት አገልገሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ሰቲት ሁመራ ዝተፈላለዮ መጠን ዘለዎም ናይ ማይ ቆፀርትን ቱቦን መገጣጠምን :ናይ መኪና ጎማን ስፔራትን: ጀነሬተር፣ ኣየር ኮንዲሽነር ኤሲ፣ ላፕቶፕ ኮምፒዩተር፣ ዪፒኤስን ባክኣፕን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ሶፍትዌር ከፀግንን ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 19, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 2, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:ሰቲት ሑመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 2, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ጨረታ ዝክፈተሉ ዝዕፀወሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ከምእዉን ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ከምእዉን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ይከዉን፡፡

2 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ቢሮ ቁፅሪ 7 ከምእዉን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 13 ምዉሳድ ይክእሉ፡፡

3 ተጫረቲ ንመክበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም፡፡

4 ተጫረቲ ሰነድ ምግዛእ ዝክእሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ ክሳብ 02/08/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሸጢ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳጥን ምእታዉ ይክእሉ፡፡

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ተዓሻሽጉ ሐደ ዓይነት ዝኮኑ ናይ ቴክኒካል ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ናይ ፋይናንሻል ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ አለዎም፡፡

6 እዚ ጨረታ 02/08/2011ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ይክፈት፡፡

7 ናይቲ ጨረታ አከፋፍታ ስርዓት ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ጠጠዉ ክብል አይክእልን፡፡

8 ስርድ ድልዝ ዘለዉ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን፡፡

9 አብቲ ሰነድ ጨረታ ኣብ ነብስወከፍ ፊርማን ማህተምን ኣድራሻን ክህልዎ አለዎ፡፡

10 ንብረት ርክክብ ዝፍፀመሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ሰቲት ሁመራ ይከዉን፡፡

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ፡፡

 ንተወሳኪ ሐበሬታ በቁፅሪ ስልኪ 0344-481963 /0975-489306/0914-741334