https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6742
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ንዝተፈላለያ ንቤት ፅሕፈት ከ/መቀለ ግልጋሎት ዝውዕል ግሪነሪ መዋህለሊ ካፒታል ማለት መዋህለሊ ርእሰ ማል ሓምለዋይ ከባቢ በግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክህበና ዝክእል ኣካል ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 18, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 27, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 27, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ ፍዮሪን ሆልቲካልቸር/ ገዛ/ህንፃ ፅባቐ ስራሕቲ/

1 ናይ ደኣንት ወረቀት ምስክር ከቀረቡ ዘክእሉ፣ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 17/07/2011ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ብነፃ ምውሳድ ይከኣል፡፡

2 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/07/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

3 ተጫረቲ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ወይ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

4 ዝኮነ ይኩን ተወዳዳራይ እቲ ትካል ካብ ዘሰናድኦ ስሩዕ ትካል ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይክኣልን፡፡

5 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-408757/0344-408501 ምድዋል ይከኣል: