https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6669
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ መኾኒ ኣብ ጣብያ መስዋእቲ ቁሸት ፒያሳ ፍሉይ ሽሙ ልምዓት መስኖ ዝከውን ሓዱሽ ፓይፕ ዝርገሐን ፓወር ሃውስ ምስ ሬቲንግ ዌል መጠራቀሚ ገንእን ምስ ካናል ብውልቀ ደኣንት ሕ/ስ/ማሕበር ብደረጃ 8ተ ደቂቅ ሕጋዊ ፍቃድ ስራሕ ኮንስትራክሽን ማይ ብግልፂ ጨረታ ምልክታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 13, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 3, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

1 ሰነድ ጫረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ከተማ ማይጨዉ ኣብ ጥቃ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝርከብ ኮንደሚኔም ቁፅሪ 2 ፋይናንስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን መፂኡኩም ጨረታ ሰነድ ንክትወስዱ ንሕብር፤

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድ ስራሕ ኮንስትራክሽን ማይ ወረቀት ምስክር ደ.ኣ ንግዲ ትካላት ዘቅርብ፤

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መረዳእታ ደቀቅትን ኣናእተይን ትካላት መቅረባይነትን ዘቅርብ

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳቡ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 መከበሪ ፕሮፎርማ ምልክታ 7000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም፤

6 ሰዓራይ ጨረታ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 65 መዓልቲ እቲ ፕሮጀክት ሰሪሑ ከረክብ ኣለዎ፡፡

7 እቲ ጨረታ ምልክታ 03/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ወኪላት ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-770419 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል