https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6664
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ኣብ ዝ/የ ሴክተር ኣብያተ ፅሕፈት 1ይ ወያነ ዝርከብ ዝ/የ ዘገልገሉ ናይ ቢሮ ኣቅሑትን ሓፂን መፂን ቆርቆሮ ሙሉእን ዝተቆረፀን ቆርቆሮታት ብስኪት ዘይቲ ምአዚ መንጉ ፀሚቅ ናይ መኪና ጎማታት ዝ/ዩ ቅያር ስፔራትን ኣብቲ ዘርፊ ንዝትዋፈሩ ሕጋውያን ነጋዶ ደቀቅትን ኣናእሸተይን ንግዲ ትካላት /ደኣንት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 12, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 17, 2011 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 18, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ተጫረቲ ንዞም ዝስዕቡ ረቆሕታት ከማልእሉ ይግባእ

1 ተጫረቲ ደቀቅትን ኣናእሸተይን ንግዲ ትካላት /ደኣንት/ ካብ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትሪን ዝተወሃቦም ኣብዚ ዓመት ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል /ደረጃ/

2 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ናምበርን ዘቅርብ፤

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ መዐደጊ 30.00 ቅርሺ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቀዳማይ ወያነ ካብ ዕለት 10/07/2011ዓ/ም እናመፃእኩም ምዉሳድ ይከኣል፤

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ በጥረ ገንዘብ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 17/07/2011ዓ/ም ሰዓት 11:00 ተዓፅዮ 18/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ይክፈት ፤

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፤

ኣድራሻና ኣብ ክፍለ ከተማ ቐደማይ ወያነ ቤት ፅ/ት ትልምን ከባቢ ጁብሩክ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 17 እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914-785282 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል