https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6657
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከ/ሓወልቲ ናይ ክ/ከተማና ዝርከብ ን2011ዓ/ም ንስራሕቲ ምሕደራ ሳዕርን ተክልን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ፤ ስለዚ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 12, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 25, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 25, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ ፍዮሪን ሆልቲካልቸር/ ገዛ/ህንፃ ፅባቐ ስራሕቲ/

1 በቲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ነጋዶ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፤መቅረባይነትን ዘለኩም፤

2 መረዳእታ ፍቃድ ንግዲ፣ መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ ትክእሉ፤ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተወዳደርቲ ቲን ቁፅሪ ሰርቲፊኬት ኮፒ ኦርጅናልን፡ ቫት ዝተመዝገብኩም

4 ናይ ወርሒ ለካቲት 2011ዓ/ም ቫት ዲክለር ዝገበርክምሉ ብኮፒ ክተሓሓዝ ዝክእል ንቫት ተመዝገብቲ፤

5 ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 10/07/2011ዓ/ም ክሳብ 25/07/2011ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 6 ምግዛእ ይከኣል፤

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/07/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሰዓት 8:30 ይክፈት፤

7 ሳዕርን ተክልን ማናጅመንት ንጨረታ መከበሪ 15001.00 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕን ሓደን ብር/ ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ምትሓዝ ይከኣል እዩ፤

8 ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃልይዎ ድማ ፊርማ ይገበረሉ፤                 

9 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ 60 መዓልታት ይከውን፤

10 ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ዘድሊ መረዳእታታት መክበሪ ውዕሊ ብምትሕሓዝ ውዕሊ ኣሲሩ ንብረት ኣታዊ ይገብር ወይ ስርሑ ይጅምር፤

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0344-406285 ምድዋል ይከኣል