https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6634
ማእኸል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ዝተበጀተሉ በጀት መሰረት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ቀወምትን ሃለቅትን ንብረታት ፈርኒቸር /ናውቲ ቢሮ/፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መሳርሒ ህንፃን ኤሌክትሮኒክስን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 11, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 2, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 2, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባአ ረቋሒታት

1 በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልሉ ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ፤

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ኸፋሊ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ (Tin Number) ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ናይ ወርሒ ለካቲት2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ዝተጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይ ስርዝ ድልዝ መሊኦም ብንፁር ስምን ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በብበይኑ ኣብ 2ተ ፖስታ ዓሺጎም ሕድሕድ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ተማሊኦም ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕን ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ማእኸል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ንጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ኣለዎም ።

5 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዝሰዓርሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 5 ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ አሲሮም መኸበሪ ውዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከድሕዙን ዝኽእሉን ተጫረቲ ዝሳዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ከቅርቡ ኣለዎም

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ደጋፊ ስራሕ ከይድን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ማእኸል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ምውሳድ ይኽእሉ

7 ተጫረቲ ዘቐረብዎ ንብረት ንምርአይ(sample) ናብቲ ትካል መፂኦም ክርእዩን ክወስዱን ይኽእሉ

8 ከይዲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ገዜ 11/07/2011-02/08/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይኽፈት።

9 ተጫረቲ ንመኸበሪ ጨረታ ዝምለስ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረገገፀ ሲፒኦ ማለት እውን ቼክ ክትሕዙ ኣለዎም ።

10 ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ስጉመቲ ንወስድ ኾይንና ከምኡውን ዘድሐዝዎ ገንዘብ ዝውረስ ምኻኑ ክፈልጡ ኣለዎም፡፡

11 ኣብ እዋን ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ክቀርቡ ኣለዎም እንተዘይቀሪቦም ጨረታ ዘይተአጓገል ወይድማ ዘይቃረፅ ምኻኑ ንሕብር፡፡

12 እዚ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

13 ልዕሊ 10000.00 ሽሕ ዝሰዓረ ተጫራታይ 2 ሚኢታዊ ዊዝ ሆልድ ናይ ምክፋል ግዴታ ኣለዎ፡፡

14 እቲ ቢሮ ናይቲ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ፡፡

ንተወሳኺ ሐበሬታ ብኣካል መፂኦም ወይድማ

በቁፅሪ ስልኪ 0345-599938/ 0914-154817 /0930-314056 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡