https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/654
ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : መለዋወጢ ኣቁሑት መካይን ኣቁሑት ፅሬት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 11, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 25, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን:
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ :ቫት :ቲን ናምበር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዝዉፅኦ መምርሒ መሰረት ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩም ምኮንኩም መረዳእታ ቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 አብ ኣቁሑት ፅሬት እትሳተፉ ነጋዶ ዝተሐደሰ ንግዲ :ቲን ናምበር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዝዉፅኦ መምርሒ መሰረት ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩም ምኮንኩም መረዳእታ ቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 መክበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒን መለዋወጢ ኣቁሑት መካይን ንሕድሕድ 3000 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

4 ንአቁሑት ፅሬት 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ንፅሕፈት መሳርሒን መለዋወጢ ኣቁሑት መካይን ዘይምለስ 40 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ ንቁሑት ፅሬት ድማ ብነፃ ካብ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቀደማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 106 ካብ 11 /01 /2008 ዓ/ም  ክሳብ 25/01 2008 ዓሐም አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ትክእሉ

6  ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝክፈተሉን ዕለት ንመሳርሒ ፅሬት ዕለት 25/ 01 /2008 ዓ/ም  ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 3:30 ይክፈት

7 ንናይ መኪና ኣቁሑት መለዋወጢን ዕለት 25 /01 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 8:30 ይክፈት

8 ንኣቁሑት ፅሬት ዕለት 26 /01 /2008 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 3:30 ይክፈት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቀደማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 106 ይክፈት

9 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እነተዘይተረኪቦም ዝእትዉዎ ጨረታ ከብ ምክፋት አይተኣጎጎልን

10 ሰዓርቲ ዘስዓርዎ ኣቁሑት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ አታዊ ይገብሩ

11 እቲ ቢሮ ካብ ዝዓደጎም ኣቁሑት ከከም አድላይነቱ 20% ምዉሳክን ምንካይን ይክእል እዩ

12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓብሬታ ብቁፅሪ ስልኪ  0344409426  /0344409424 / 0344409431 ደዊልካ ምሕታት ይከአል