https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6538
ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ነቲ ቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ኮምፒተራትን ተዛመድትን ኣቅሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 20, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 20, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይዚ ዘመን 2011ዓ/ም በቲ ዘርፊ ናይ ዘመን ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፣

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 04/07/2011ዓ/ም ክሳብ 20/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእትው ኣለኩም፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ 3000.00 ቅርሺ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ፤

7 እቲ ጨረታ 20/07/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ ንብ/ምም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ቁፅሪ 171 ይክፈት :: ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን፤

8 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

9 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ መከበሪ ዉዕሊ ዉሕስና የትሕዝ፤

10 በቲ ቢሮ ተዳልዩ ዝተወሃበ መዐቀኒ (ስፐስፊከሽን መሰረት) : ብፅሬትን መጠንን ብጊዜን ብዉዕሊ መሰረትን ኣብ ውሽጢ ተከታተልቲ 15 መዓልቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ንብረት ብናይ ወፂኢ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብቲ ቢሮ ከረክብ ዝክእል፤

11 መወዳደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ፤

12 እቲ ዝቀረበ ንብረት ብበዓል ሞያ ተራእዩ ዋና /ኦርጂናል/ ምዃኑ ተረጋጊፁ እቲ ቢሮ ኣታዊ ከምዝገብሮ ክገልፅ ይደሊ፤

13 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411052 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፤