https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6501
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ደ/ከ/ስዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ንቤት ማዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ አገልግሎት ዝዉዕሉ ናይ ገፀር መንገዲ ስራሕቲ ንምስራሕ ከም ሎደር፣ ግሪደር፣ ሮለር፣ ሻወር ትራክን ሲኖ ትራክን ዝመሳሰሉ ማሽነሪታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 2, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 13, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000.00
  • ቦታ:ሽረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 13, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ማሽነሪ ክራይ/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ወርሒ ታሕሳስ/ጥሪ 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ካብ 28/06/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 12/07/2011ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ቀበሌ 01 ቢሮ ቁፅሪ 18 ብምምፃእ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል፤

7 እቲ ጨረታ 13/07/2011 ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

8 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ምልክታ መሰረት ኣማሊኡ እንተቀሪቡ ተጫረቲ ብዘይለውሉ ንምኽፋት ዝዓግቶ ነገር የለን።

9 መከበሪ ጨረታ 20000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ከትሕዝ አለዎ፤

10 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀ ብመሰረት መምርሒ ዕደጋ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

11 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ በዓሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ነብስ ወከፈ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርብ ይግባእ፤

12 አዚ ጨረታ ዝፀንሓሉ ግዜ ውዕሊ ኣሲሩ እንተነኣሰ ን80 መዓልቲ ዝፀንዐ ይከውን፡፡

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-447659/0344-444916/0344-442866 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡