https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6481
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዝ/ያ ጣብያታት ዝስራሕ ናይ ሓባር ዒላታት ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ደረጃ 8ተ ብደቀቅቲ ትካላት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 30, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም መጋቢት 14, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7000
  • ቦታ:ታሕታይ ኣድያቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም መጋቢት 14, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

1 ኣብ ናይ ማይ ስራሕቲ እትሳተፉ ሙሉእ ኮንትራክተራት ሙሉእ መረዳእታ ናይ 2010 ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ (ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም) ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ፣ ናይ ወርሒ ጥሪ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

2 ብብርኪ ደአንት ብርኪ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝኽእል፤ ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ሰለስቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

3 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን በቀደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጋደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

4 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድላይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ተጫራቲ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ቢሮ ቁፀሪ ክትወስዱ ትክእሉ፤

6 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዝብ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ 7000.00 ሽሕ ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ኣብ ናይ ሓባር ዒላ ካዕቲ ተጫራታይ ተዓዋቲ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 5 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 እቲ ጨረታ 24/06/2011- 14/07/2011 ዓ/ም አብ አየር ይፀንሕ። እቲ ሰነድ ጨረታ 14/07/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።  ተወዳደርቲ ብዘይምርካቦም ሰነድ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋገልን፤ ልቢ ይበሉ ኣብ ናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ እትወዳደሩ ኤክስካቫተር ምስ ጃክ ሃመር ከቅርብ ዝክእል፤ ብክራይ እንተኮይኑ እውን ናይ መካረይን ኣካራይን ሕጋዊ ውዕሊን ስምምዕነትን ከቅርብ ዝክእል፤ ናይ ሞተር ፓምፕ ከቅርብ ዝክእል ብክራይ እንተኮይኑ እውን ናይ መካረይን ኣካራይን ሕጋዊ ውዕሊን ስምምዕነትን ከቅርብ ዝክእል፤

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።