https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6397
ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ከተማ ፋፂ ኣቅሑ ፈርኒቸር፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሃለቅቲ ኣቅሑ ፅሬት፣ ኣቅሑ መሳርሒ ህንፃን ካልኦትን መሳርሒ ኣቅሑ ፅሕፈትን ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 27, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 17, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:ፋፂ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መጋቢት 17, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ተጫረትቲ ዝተሓደሰ ናይ 2011ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ናምበር፣ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ቫት ሰርቲፊኬት፣ ቫት ዝተመዝገብሉ ዲክለር ዝገበርሉ ትገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ብምቅራብ ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

2 መከበሪ ጨረታ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ኣፍልጦ ካብ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ምሽናፎም ምስፈለጡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ዝርዝር ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 8 ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 26/06/2011ዓ/ም ክሳብ 16/07/2011ዓ/ም ክሳብ 11:00 ሰዓት ክወስዱ ዝክእሉ ኮይኖም ጨረታ ዕለት 17/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘለውዎ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይከውን፤

5 ተጫረቲ ዘእተውዎ ናይ ሓደን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ትካሎም ሽምን ፊርማን ዘለዎ ብዝትዓሸገ ፖስታ ከእትው ይግባእ፤

6 ኣብቲ ዝመልእዎ መረዳእታ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ድማ ፊርማ በዓል ዋና ተዘይዓሪፍዎ ውድቂ ይከውን፤

7 ተጫረቲ ጨረታ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ቤት ፅሕፈት ማህተም ዝዓረፎ ዋና ተመሊኡ ዝቀረበ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ፤

8 ተጫረቲ ዘድሊ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ፈላለዮም ከቅርቡ ኣለዎም፤

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ከተማ ፋፂ ዘቅርቡ ምዃኖም

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

12 ኣድራሻና ወረዳ ግሎ መከዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ምምሕዳረን ንብረትን እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-340201/ 0914-522099 ምድዋል ይከኣል፤