https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6390
ማአኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ብዝተበጀተሉ መሰረት ነቲ ማእኸል ኣገልግሎት ዝውዕል መሳርሒህንፃ፣ ኤሌክትሮኒክስን፣ ቀወምቲ ንብረት ስራሕቲ ዕንፀይትን ሓፂንን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶን ክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 27, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 11, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 11, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/ ስራሕቲ ኣልሙኒየምን ኣቁሑትን/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ዘቅርቡ

2 ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምዃኖም ዘረጋግፅን ግብሪ ኸፈልቲ ዝተውሃበ መለለይ ቁፅሪ (ቲን) መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ብትልምን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት ) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡ፤

5 ናይ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራርደኩም መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ንኹሎም መረዳእታ ዘይምለስ ቅዳሕ ክትቅርቡ ትኽእሉ ኣለኩም፤

7 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ናይቲ ትካል ሽምን ክታምን ማህተምን ኣድራሻን ክተቅምጡ ይግባእ።

8 ጨረታ ካብ 26/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 11/07/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኾይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 11/07/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00ድሕሪ ሰዓት ኾይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸሉ ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ይኽፈት።

9 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ ዝኸውን ንህንፃ መሳርሒ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ ንኤሌክትሮኒክስን ቀወምቲ ንበረትን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ምቅራብ ይከኣል። 

10 ዝሰዓረ ተጫራቲ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይበ ሲፒኦ ኣትሒዞም ከምኡውን ዝሰዓረ ተጫራታይ ልዕሊ 10000.00 (ዓሰርተሽሕ) ዝግመት ንብረት ኣታዊ እንተገይሮም 2% ዊዝ ሆልዲንግ ዝኽፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎ ም።

11 ከምኡውን ዝሰዓረ ተወዳዳራይ እቶም ዝሰዓሮም ንብረት በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን ማለትውን ዝርዝር መዐቀኒ ረቋሕታት ብፅሬት ብናይ ባዕሉ መጓዓዕዝያ ናብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣታዊ ከምዝገብር ክፈልጥ ኣለዎ።

12 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማእኸል ቤት ህንፀት ዓድዋ ደ/ከ/ስ/ምም/ርን/ንብረትን ቁፅሪ 06 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

11 እቲ ቤት /ፅ/ት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ0347-711668/0347-711227 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።