https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6385
ቤት ፍርዲ ታሕታይ ቆራሮ ንቤት ፍርዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ንባዕሉ ቤት ፍርዲ ታሕታይ ቆራሮ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ሕትመትን፣ ናውቲ ፈርኒቸርን/ ስራሕቲ ጣውላን/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት የካቲት 24, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 10, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:ታሕታይ ቆራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መጋቢት 10, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/

1 ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግድን ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 መለለይ ከፈላይነት ግብሪ ዘለዎም፤ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኮኑ ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ካብ ዋና ንብረት ወፃኢ ምቅራብ ካብ ዝተቀመጡ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ካበ ዘርፊ ወፃኢ ምውድዳር ዘይፍቀድ ምዃኑ፤

4 ተጫረቲ ንዝስዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዕዚ መፅዓንን መራገፍን ናብ ትካልና ንብረት ክፍሊ ዘቅርቡ፤

5 10 ሚኢታዊ ዘትሕዙ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ሓዊሱ ክከውን ኣለዎ፤

6 መከበሪ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ 4000.00 ሽሕ፣ መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ሽሕ፣ ናውቲ ሕትመትን 3000.00 ሽሕ፣ ናውቲ ፈርኒቸርን/ ስራሕቲ ጣውላን/ 3000.00 ሽሕ በሲፒኦ ብጥረ ገንዘብ ዘትሕዙ፤

7 ሰነድ ጨረታ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፍርዲ ታሕታይ ቆራሮ ንቤት ፍርዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ደ/ከ/ስ/ምም/ር ንብረትን ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል ፤

8 ጨረታ ካብ 22/06/2011ዓ/ም ክሳብ 09/07/2011 ዓ/ም እቲ ጨረታ 10/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ደ/ ከ/ ስ/ ምም/ር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 13 ይክፈት፤

9 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ኮይኑ በዘይምህላዎም ካብ ምክፋት ኣይተኣጋገልን፤

10 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-440211 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤