https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6376
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ወልቃይት ንዝ/ዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ተዛመድትን፣ ሕትመት ፣ ስፖርትን ኣቅሑ ፅሬትን ብሕጋውያን ነጋዶ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይድሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት የካቲት 24, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 9, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢ ሎቱ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:ወልቃይት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 9, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን፣ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን፤

3 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን፤

4 መከበሪ ጨረታ ምድብ 1 ሕትመት 500.00 ቅርሺ፣ ምድብ 2 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ተዛመድትን 1000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ምድብ 3 መሳርሒ ህንፃ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ምድብ 4 ስፖርት 500.00 ቅርሺ፣ ምድብ 5 ሳኒተሪ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኣቅሑ ፅሬት 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

5 ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣጓዒዙ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ወልቃይት ከረክብ ዝክእል፤

6 ካብ ዝሰዓሪ 2 ሚኢታዊ ዊዝ ሆልድ ታክስ ክከፍል ዝክእል፤

7 ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

8 ሰነድ ጨረታ ካብ 18/062011ዓ/ም ክሳብ 06/07/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ሰዓት ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ወልቃይትን ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሽረ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋ/ ምም/ ር ንብረትን 2ይ ደብሪ እናመፃእኩም ምውሳድ ትክእሉ ፤

9 እቲ ጨረታ 09/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሽረ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋ/ ምም/ ር ንብረትን 2ይ ደብሪ ይክፈት፤ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተዘይተረኪቦም ካብ ምክፋት ዓዲ ኣይውዕልን፤

10 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0919-450760/0914-251795/0344-330203 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤