https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6357
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ናይ ሕትመትን ንሓፁር ዝከውን ናይ ኢንዳስትሪያል ናውቲን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 20, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 9, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 9, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ምህንድስና ኣቁሑት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን : መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ምስክር ወረቀትን : ናይ ቫት ሰርተፊኬት መረዳእታ ፣ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ናይ 2011ዓ/ም አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል::

2 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገብርሉ መረዳእታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል::

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 እናከፈልኩም ካብ 25/06/2011 ዓ/ም እስካብ ዕለት 09/07/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ምምርን ንብረት ምውሳድ ዝክእል ፤

4 መክበሪ ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ናብ ብሽም ትልምን ፋይናንስን ዝፍለጥ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000077223208 ኣታዊ ብምግባር ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 እቲ ጨረታ 09/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ አብ ከተማ ፍረወይኒ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ይክፈት።

6 ዝሰዓርዎ ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዚን ካልኦት ወፃኢታትን ሸፊኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከቅርብ ዝኽእል

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ።

ንትወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-470556 / 0344-470506 / 0344-470279 ደዊልካ ምሕታት ይካአል::