https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6307
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ ስሩዕ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንናይ ወረድኡ ኣብያት ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : መሳርሒ ፅሕፈት :: መሳርሒ ፅሬት : ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ካብ ናይ ሓገዝ በጀት ድማ ን2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጊደይ ደፍተራ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ላብራቶሪ ኬምካላት፣ ኣቅሑ ቢሮ ከምኡውን ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 16, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 2, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ: ፀገዴ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 2, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ኬሚካልን ሪኤጀንት/ ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነት ወረቀት ምስክርን ዘለኩም፤

2 ቲን ናምበር ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ተመዝገበቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀክምሉ ብፍላይ ሎት 3 6 7 መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 15/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 02/07/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንሎት ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

5 ሎት 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ንብረት ሎት 2 መሳርሒ ፅሕፈት  ሎት 3 መሳርሒ ፅሬት  ሎት 4 ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ሎት 5 ናይ ላብራቶሪ ኬምካላት፣ ሎት 6 ኣቅሑት ቢሮ ሎት 7 ናይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጊደይ ደፍተራ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ፎቶ ከቅርቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ንመከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 3000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

7 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 02/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

8 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካብም ጨረታ ሰነ ስርዓት ኣይተኣጎጎልን፤

9 ተጫራታይ ሰዓራይ ኮይኑ ምስተረከበ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ገንዝብ 10 ሚኢታዊ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብምትሓዝ ዉዕል ኣሲሮም ንብረት ብዝታኣዘዝዎ ዝርዝር መዐቀኒ ረቆሒ መሰረት ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታታልቲ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ኣብ ወረዳ ፀገዴ ትልምን ፋይናንስ አታዊ ይገብሩ፤

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

11 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 መዓልቲታት ይከዉን፤

12 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914-190333 0913-751122 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤