https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6288
ማይጨው ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኣብ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ንምምሃር ምስትምሃርን ንካልኦትን ግልጋሎትን ዝውዕሉ ናይ ህንፃ መሳርሒ/ማኑፋክቸሪንግ ኮንስትራክሽን/፣ ናይ ተሽከርከርቲ መለዋወጢ ኣቅሑ /ስፔር ፓርት/፣ ኤሌክትሪካል ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት ኣቅሑን እስፖርት ዕጥቂን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 28, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ንሎት ዝተፈላለየ
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ የካቲት 28, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ዝተከፈለን ዝተሓደሰን መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ግብሪ ከፋሊ ንምካኑ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ምዃኑ ክሳብ ታሕሳስ 30/2011ዓ/ም ዝከፈልሉ ዲክሌሬሽን ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ጨረታ መከበሪ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳር ዝምለስ ንሎት 1.2ን3 ንሕድሕድ ብር 6000.00 ሽሕ ብር ንሎት4 4000.00 ሽሕ ብር፣ ንሎት 5 3000.00  ካብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ብዝተውሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይም ጥረ ገንዘብ ኣቀዲሙ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምዃኑ ምስተነገሮ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ተከታታሊ 15 መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣብ ማይጨው ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ካብ 13/06/2011ዓ/ም ክሳብ 28/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ/ቀትሪ ኣብ ማይጨው ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ ቅ.ሰዓት ካብ 2:30-6:30 ድሕሪ ሰዓት ካብ 7:30 11:30 ሰነድ ገዚእኩም ምውሳድ ትክእሉ፤

7 ዝተወዳደርሉ ዋጋ ዋናን ቅዳሕን መሊእኩም ከምኡድማ ዝወሰድኩምዎ በዓል 26 ገፅ ሰሩዕ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጫረቲ ማህተም ብምግባርን ብምትሕሓዝ ብዝተዓሸገ  ፖስታ ኣብ ማይጨው ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ ኣብ ዝተደለወ ሳንዱቅ ተእትው ትክእሉ፤

8 ጨረታ ዕለት 28/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ዕለት 28/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ማይጨው ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ይክፈት፤

9 ንሓደ ንብረት ክልተን ልዕሊ ክልተን ተወዳደርቲ ማዕረ ዋጋ እንተመሊኦም ዳግም ክመልኡ ይግበር ሀዚውን ማዕረ እንተወፂኦም ብዕጫ ይፍለዩ፤

10 ኣብ ጨረታ ስዒሩ ውዕሊ ንምእሳር ፍቃደኛ ዘይኮነ ተጫረቲ ጨረታ መከበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ኣይምለሰሉን፤

11 ኣብ ዋጋ መምለኢ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን ስርዝ ድልዝ እንተሊዩ ድማ ብበዓል ዋና ኣብቲ ስራዝ ብፊርማ ከረጋግፅ ኣለዎ ዓርዩ ዝተበላሸወ ግን ንውድድር ኣይቀርብን፤

12 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዐቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምዃኑ ኣስተውዒሎም ዋጋ ይመልኡ፤

13 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፀሪ 0347-770028/ ፋክስ 0347-770550 ምድዋል ይከኣል፤