https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6270
ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ናይ መፅሓፍቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 14, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 26, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 26, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ናይ 2011ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ከትሕዙ ኣለዎም፤

3 ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ታሕሳስ ወርሒ 2011ዓ/ም ዲክላራስዮንን ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ብሲፒኦ 5000.00 ከቅርብ ዝክእል፤

6 ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፤

7 እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ከቅርብ ዝክእል፤

8 እዚ ጨረታ ክመልእዎ ከለው እቲ ዋጋ ምስ ቫቱ ምዃኑ ይሓብርሉና፤

9 ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ምሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ፤

10 እዚ ጨረታ ቤት ትምህርትና 20 ሚኢተዊ ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምውሳክን ይክእል፤

11 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ሓምሳ ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቢሮ ቁፅሪ 25 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ትክእሉ፤

12 ቤት ት/ቲ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

13 እዚ ጨረታ ዕለት 26/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሽ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-599841 ምድዋል ይከ