https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6251
ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ፅሬት፣ ቀዋሚ ንብረት ፣ደንቢ ክዳን ኬብሊንግ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 12, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 29, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 29, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ 2011ዓ/ም በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤ ወረቀት ምስክር መለለይ ከፋሊ ግብሪን ተወሳኺ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ካብ ሚኒስቴር ገንዘብን ቁጠባን  ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘቅረብኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ኤጀንሲ ኮምፕሌክስ ህንፃ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ደ/ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ/ ምም /ር/ ንብረትን 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 229 ብምምፃእ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ካብ 11/06/2011ዓ/ም ክሳብ 29/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዋጋ መሊእኹም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣታዊ ምግባር ይከኣል።

5 መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ኣቅሑ ፅሬት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ናይ ደንቢ ክዳን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ናይ ቀዋሚ ንብረት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከቅርቡ አለዎም።

6 እቲ ጨረታ 29/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሰዓት 9:30 ኣብ ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 229 ይክፈት።

11 እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ዉይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።