https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6164
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ዝተፈላለዩ ቆዳ ጫማን ሸሚዝን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለዝደሊ ክትጫረቱ ትደልዩ እዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 12, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 12, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳታ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤

2 ተጫረቲ ካብ ዝቐረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ቢድቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ::

3 ዝርዝር ናይ ሕድሕድ ዝገልፅ ዶክመንት ካብ ዕለት 02/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 100.00 (ሓደ ሚኢቲ ብር) ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ናይ ጨረታ ዶክመንት ብፖስታ ሽም ዝተዓሸገ ናይ ቢሮ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ዝግብርሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 02/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 12/06/2011 ዓ/ም ክሳብ ንጉሆ ሰዓት 3:00 ዘሎ ጊዜ ይክዉን::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 12/06/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ቦታ አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽብሉ ይኸዉን::

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ኣብ ሰዓቱ ይኽፈት።

7 ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምሰተፈለጠ ካብቲ ጠቕላላ ዋጋ 10% performancebond ከትሕዘ ዘኽእል፤

8 ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

9 ጨረታ ዝሰዓረ ናብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዮም ማሕበር መፂኡ ከረክብ ኣለዎ።

10 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ፤

11 ተወሳኪ ሐበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ