https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6155
ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ምግቢ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት እክሊ ፤ንመሳርሒ ህንፃ ዝውዕል ቀላሚጦስን ካልኦት ንብረታትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 2, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 22, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ራያ አላማጣ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 22, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኣቅርቦት ምግቢ /

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን ግብሪ ዝኸፈለን፣ናይ መቅረባይነት ዘለዎ ምዃኑ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል ፤

2 ተጫራታይ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መዐቀኒ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ፊርማን ማህተምን ንፁር ኣድራሻ መሊኡ ከቅርብ ኣለዎ።

3 መኸበሪ ጨረታ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

4 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ ) ብምክፋል ደ/ከ/ስ/ዐ/ፋ/ምም/ር/ንበረት ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

5 እዚ ጨረታ ካብ 01/06/2011-22/06/2011 ዓ/ም ቀዳምን ሰንበትን ከምኡውን በዓል ከይሓወሰ ንተከታታሊ መዓልታት ኣብ ኣየር ይፀንሕ።

6 እዚ ጨረታ 22/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

7 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ተቀባልነት የብሉን፤

8 ነዚ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ ካብ ምብራር ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፅሓፈሉን ቢድ ቦንዱ ይውረስን።

9 ጨረታ ምስተከፈተ ብዓርሰ ድሌት ካብ ጨረታ ምግላል ኣይፍቀድን።

10 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 ናይ 2ይን 3ይን ሰዓራይ ከሳብ ውዕሊ ዝኣሰር መኸበሪ ጨረታ ( ቢድ ቦንድ) ተተሓሒዙ ይፀንሕ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785717/0914-755064 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤