https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6152
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሎሚ ዘበን ኣብ ከተማ ዓድዋ ንዝበዓል በዓል ኵናት ዓድዋ ድንኳናትን ስቴጅን ምስ ምሉእ ኣቅሑት ክካረ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ እዚ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 2, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ገዛ/ህንፃ ፅባቐ ስራሕቲ/ ናይ ምልላይ ኣቁሑታት/

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን: ናይ መቅረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/: VAT ተመዝጋቢ ዝኮነ : VAT ዲክሌር ዝገበረሉ መረዳእታ : ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ዝኾነ መረጋገፂ ዘቕርብ::

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 01/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ብሲፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል

4 እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 01/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ 15/06/2011 ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓትይኸውን።

5 ጨረታ ዕለት 15/06/2011 ሰዓት 9:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎቶም ኣብ ዘለውዎ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን።

6 ነቲ ንብረት አብ ዉሽጢ 2 መዓልቲ ዘቅርብ::

7 ቢሮና ዝሐሸ መማረሒ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቕ ንክተእትው ንሕብር።

9 ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደሰታ ዝርከብ ህንፃ አብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ::

10 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-400177 ደዊልክ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::