https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6101
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ን 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ደንቢ ክዳን፣ ዝተፈላለዩ ናይ ማይን ህንፃን ኤሌክትሪክን ፅገናን ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቅሑ ፅሬት፣ስራሕቲ ሕትመት፣ ዝተፈላለዩ ናይ ምግቢ ዓይነት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 30, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 12, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 12, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ 2011 ዓ/ም ዘለዎን ቅደሕ ዘትሕዝን

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ብተወሳኪ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእልን መለለይ ከፋይነት ግብሪ ቅዳሕ ከታሕዝ ዝክእል፤

4 እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ 24/05/2011ዓ/ም ክሳብ 12/06/2011 ዓ/ም ይከዉን፤

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ 12/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኮይኑ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት ኣብ ዓድዋ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን ይከዉን ዘንጊዑ ዝመፅ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን፤

6 እዚ ጨረታ ዝሰዓረ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ቅሬታ መስምዒ 3 መዓልቲ ስራሕ አብ ዉሽጢ 5 መዓልታት ስራሕ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን ሰዓራይ ዉዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል ወይ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል ክከዉን አለዎ

7 ተጫራታይ በዝሒ ናይ ምዉሳክን ምንካይ መሰሉ ሕልዉ እዩ

8 ተጫረቲ ናይ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 እናከፈለ ክወስድ አለዎ ካብ ሐፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ደጋፊ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ክወስድ ይክእል ፤

9 መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 3000 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሸ) ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ አለዎ

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 40 ተከታታልቲ መዓልቲ ይከዉን፤

11 ናይ ጨረታ ሕጊ ኣማሊኡ ዘቅረበ ብዘይ ምርካቡ ምክፋት ኣይተኣጓገልን፤ተጫረታይ ዝወሰዶ ናይ ጨረታ ሰነድ ብሙሉእ ክምልስ ኣለዎ፤ዝጎደለ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን፤

11 ሰዓራይ ጨረታ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ መራገፍን ናብ ሆስፒታልና ዘቅርብ ክከዉን አለዎ፤

12 ነቲ ጨረታ ዝመልእ ዉልቀ ሰብ ወይ እዉን ነጋዳይ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ፤መረኣያ ኣቅሑ ምርኣይ ይከኣል፤

13 እቲ ቤት ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንዘበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0347-712326 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤