https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6086
ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ንዝቀረቡ ዘገልገሉ ኣቅሑት ኣብ ምግዛእን ምሻጥን ዝተዋፈሩ ወይ ኣብቲ ዝጫረትዎ ኣቅሓ ተዛማዲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፤ እቶም ዝሽየጡ ዘገልገሉ ናይ መኪና ጎማታት፣ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ናይ መኪና ኣቅሑትን ዝተፈላለዩ ካልኦት ዘገልገሉ ካልኦት ኣቅሑታትን እቶም ኣቅሑ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 15 መዓልታት ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ብምምፃእ ኩሉግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምርኣይ ይከኣል፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 29, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 04:15 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00 ካብ ክፍሊ ቁፅሪ 17 ምዉሳድ እትክእሉ ምካንኩም ንሕብር።

2 ተጫረቲ ዝሰዓርኩምዎ ኣቅሓ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ብምክፋል ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ከልዕሉ ኣለዎም፤

3 ተጫረቲ ናይ ትጫረትዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚኢታዊ ናይ ጨረታ መከበሪ ብሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም፤

4 ሳንዱቅ ጨረታ 15/06/2011 ዓ/ም ንጉሆ 4:00 ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4:15 ይክፈት።

5 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ሙሉእ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-409913ወይ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል