https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6079
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል : ናይ መኪና መለዋወጥን ኣቑሑን ጎማን ባትርን: መለዋወጢ ኣቑሑት ሳይክል፣ መለዋወጢ ኣቑሑ ሞተር ሳይክልን ባጃጅን፤ሞባይልን መለዋወጢ ኣቁሑት ሞባይል፣ ናይ ፓምፕ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ፣HDPR PPRን ቱቦታትን መገጣጠሚኡን ፣ ብረት ቱቦ መገጣጠሚን ቆፀርቲ ማይን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ሕጋዊያን ነጋዲ ዝኾንኩም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥሪ 28, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 11, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ የካቲት 11, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ ዘበኑ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ፣ቲን ናምበር፣ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለኩም ፣ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዲክላርሲዮን ዘማላእኩምን ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩምን፣ኣብ ናይ HDPR PPRን ቱቦታትን መገጣጠሚኡን ኣቅሑት፣ብረት ቱቦ መገጣጠሚን ቆፀርቲ ማይን ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክን ፓምፕን፣ ኣቅሑት ጎማን ባትርን  ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ክትወዳደሩ ይዕድም፤

2 ንመለዋጢ ኣቅሑት ብሽክሌታን ፣መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክልን ባጃጅን ፣ሞባይልን መለዋወጢ ኣቁሑት ሞባይል፣ እትወዳደሩ ተጫረቲ ድማ ብዘይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ዘይምለስ 30.00 ቕርሺ እናኸፈልኩም መከበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/05/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 11/06/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ናይ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ አብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም፤

3 እቲ ጨረታ 11/06/2011 ልክዕ ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ድሕሪ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘለዉሉ ዝክፈት ይከዉን፤

4 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-452872 ወይ 0344-450106 ምሕታት ይከአል፤