https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6018
ማሕበር ህንፀት ዎርክ ሾፕ ሓፂንን ዕንፀይትን መቐለ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ማሕበርና ኣብ መቐለ ከተማ ብብረታ ብረት ዕንፀይትን ስራሕቲ /Metal and Wood work/ ተዋፊሩ ዝርከብ ሕጋዊ ማሕበር እዩ፤ ነዚ መሰረት ብምግባር መንግስቲ ናይ እቲ ማሕበር ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው 122749 ካ.ሜ ዝስፍሓቱ ኣብ ዓይደር ክ/ከተማ ዓዲሕሩስ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ፍሉይ ሽሙ መሬት ሂቡና ናይ ገዛ ርእስና መስርሒ ቦታ ዎርክ ሾፕ እናሰራሕና ንርከብ፤ብምዃኑ ውን እቲ ህንፃ ተጀሚሩ ክሳብ ቢም ተኣሲሩን ተዛዚሙን ይርከብ፤በዚ መሰረት ተገይሩ ድማ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ህንፃ ክሳብ ሐዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ማእከል ገይሩ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ማሕበር ኦዲት ክገብር ክምዘለዎ ወሲኑ እዩ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 24, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 30, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 30, 2011 10:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኣካውንቲን ተዛማድኡን/ ኦዲት ተዛማድኡን/

 በዚ መሰረት ነቲ ውሳነ ስዒቡ እቲ ህንፃ ተጀሚሩ ክሳብ ሐዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምፍላጥ ሓፈሻዊ ፋይናንሳዊ ምንቅስቃሳቱ ኦዲት ምግባር ስለተደለየ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት ተማሊኡ ሕጋውያን ኦዲተራት ክልልና ክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም፤

1 ካብ ዝምልከቶ ኣካል ኦዲት ንምግባር ፍቃድ ዝተውሃቦ ከቅርብ ይእክል፤

2 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈለን ዝተሃደን ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ናምበር፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ከተሓሕዝ ዝክእል፤

3 ናይ ስራሕ ኣፈፃፀማ ከቅርብ ዝክእል፤

4 እቲ ኦዲት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ወዲኡ ከረክብ ዝክእልን ብኡኡ መሰረት ውዕሊ ከእቱ ዝክእልን፤

5 ኦዲት ናይ ዝግበር ሰነዳት ንምፍላጥ ብኣካል ናብ ማሕበርና ቢሮ መፂእኩ ምርኣይ ይከኣል፤

6 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ 22/05/2011 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ቀዳማይ ወያነ ብሎክ ሀ ቁፅሪ 117 ይከውን፤

7 ጨረታ ዕለት 30/05/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10:30 ይክፈት፤

8 ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

9 እቲ ጨረታ ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለውዎ ይክፈት ብዘይምርካቦም ካብ ምክፋት ኣይተኣጓገልን፤

10 ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉን ዝክፈተሉን ቢሮ ቁፅሪ አብ ቀዳማይ ወያነ ብሎክ ሀ ቁፅሪ 117 ይከውን፤

11 ጨረታ መከበሪ ሲፒኦ 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ከትሕዙ ይግባእ፤

12 መግዝኢ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ/ ብር

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914-016289/0914-709591 ምድዋል ይከኣል፤