https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6015
አካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይ/ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንኣካዳሚና ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ካፍቴሪያ ግልጋሎት፣ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 23, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 6, 2011 06:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢ ሎቶም ዝተፈላለዩ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:በቢ ሎቶም ዝተፈላለዩ
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ የካቲት 6, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ካፌን ሬስትራንትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት እትጫረቱ 1- ናይ ዘመኑ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፣ መፍለይ ቁፅሪ /ቲን/ ዘለዎም፣ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን በዘውፀኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ፤

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ፣ቲን ናምበር፣ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ

2 ወርሓዊ ዲክላርሼን ዘቕርብን ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢን

3 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፅኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቕርብቲ ዝተዘመገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ንካፍተሪያ ግልጋሎት 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ብር፣ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት 4000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ ብር/ ብሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

5 ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት  ነንሕድሕዶም 50.00 ቅርሺ፣ ንካፍተሪያ ግልጋሎት ዘይምለስ ብር 20.00 (ዒስራ ቕርሺ )ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክ/ትግራይ ዳይሬክቶራት ዕደጋን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ካብ ዕለት 22/05/2011 ዓ/ም -06/06/2011ዐ/ም ኣብ ዘሎ ምግዛእ ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 06/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ይኸፈት።

7 ናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ንክተቕርቡ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

8 ናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት  ጨረታ ሰዓርቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኹምዎ ዕለት ጀሚሩ ምስ ኣካዳሚ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ብምርድዳእ ግቡእ ግልጋሎት ክትህቡ ምዃንኩም ነፍልጥ።

9 ንካፍተሪያ ግልጋሎት ክፍሊት ማይን መብራህትን ኣቅርቦት ወንበርን ጠረጴዛን ኣካዳሚና ዝሽፍን ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ነጋዳይ ባዕሉ ይሽፍን፤

10 ኣካዳሚና ካብ ዝዕድጎም ኣቅሑት 20 ሚኢታዊ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ፤

11 ኣካዳሚና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-401989 ምድዋል ይከኣል።