https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5998
ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ሎት 1- ናይ ላባራቶሪ ኣቑሑትን ኬሚካላትን ፣ሎት 2 ንምርምር መሳርሒ ኣቅሑት፣ ሎት 3- ናይ ፅሐፈት መሳርሒ፣ ሎት 4- ፅሬት ኣቅሑት፣ ሎት 5 ናይ ፊሊዲ መሳርሒ ኣቅሑት፣ ሎት 6 - ናይ መኪና ስፔር ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ፣በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 23, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 5, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 5, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ምህንድስና ኣቁሑት/ ኬሚካልን ሪኤጀንት/ ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሮቆሒታት ብምምላእ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር ( ስፔስፊኬሽን ) መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 03 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቲ ከምትኽእሉ ነፍልጥ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ፈቓድ ዘለዎም ኣብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበ ግብሪ ምክፋልኩም ምስክር ወረቀት ኮፒ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

2 ናይ ጨረታ መትሓዚ ቢድ ቦንድ ብስም ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ አብ መምርሒ ጨረታ ዝተጠቐሰ ብር ወይ C.P.O ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ናይ ጨረታ መትሓዚ ቢድ ቦንድ ንሕድሕድ ሎት ብር 3000.00 ሽሕ ብስም ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ አብ መምርሒ ጨረታ ዝተጠቐሰ ብር ወይ C.P.O ከትሕዙ ይግባእ:;

4 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ( VAT ) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 20110ዓ/ም ዲክለረሽን ዝገበርኩምን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኽቕርቡ አለዎም::

5 እቲ ጨረታ ብኣርባዕተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርብ ዘለዎ እንትኸዉንናይ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዋንኡ / ኦርጅናልን/ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ፤ ዝተሐዳሰ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ዝተሐደሰ አቕረባይነት ምዝገባ ምስክር ወረቐት፤ C.P.O ወዘተ ዝድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከትሓሕዝ ዝክእል::

6 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ዘይምለስ ንሎት 30 /ሰላሳ ቅርሺ/ ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽምን ፊርማን ኦርጅናልን ክገልፁ አለዎም::

7 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኺ ቑፅሪ 0344 -41 61 22 ክሓቱ ይኽእሉ::

8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 21/05/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 05/06/2011 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 05/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑዕሪ 09 ይኽፈት:: የኹን እምበር ተጫረቲ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተኣጎጎልን::                                                        

9 ማእከል ምርምር ሓመድ መቀለ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ ስልኪ ቑፅሪ 0344- 41 61 22 ምድዋል ይከኣል፤