https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5902
ኮሌጅ ንግስተ ሳባ ቴክኒክን ሞያን ዓድዋን ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበሉ በጀት ን ኮሌጅ ንምምሃር ምስትምሃር ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ መሳርሒ ህንፃ፣ናይ ኤሌክትሪክ ናውቲ ፣መሰርሒ ፅሕፈት፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 16, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 1, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 1, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ዝተሓደሰ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ ዝኸፈለን መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ፣

2 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ካብ 16/05/2011 ዓ/ም ጀሚርኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግሰተ ሳባ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቁፅሪ 6 ዘይምለስ 50( ሓምሳ ቕርሺ) እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይከኣል።

3 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ዝሓለፈ ነሓሰ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝኽእሉ፣

4 ንመኸበሪ ቢድ ቦንድ ንኩሎም ማለት መሳርሒ ህንፃ፣ናይ ኤሌክትሪክ ናውቲ ፣መሰርሒ ፅሕፈት፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን፣5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒአ ከቅርቡ ኣለወም።

5 ካብ ቤተ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ መቅርባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ኾይኑ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሎም መጓዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ሰነድ ጨረታ ክሳብ 01/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እተእትውሉ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀየሉ 01/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዓ/ም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ጨረታ ይኽፍት።

7 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 60 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይኸውን።

8 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-710060/0914-211837/0914-788359/0921-616187 ምሕታት ይከአል።