https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5824
ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኣቅሑት ቢሮ (ፈርኒቸር) ፣ ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 9, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 23, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢ ዘርፎም ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 23, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ረቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010/2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ መለለይ ቁፅሪ ቲን /TIN/: መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ታሕሳስ ወርሒ 2011ዓ/ም  ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕዳጋ ካብ ዕለት 08/05/2011ዓ/ም ጀሚሩ ብር ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ጨረታ መኸበሪ ናይ ኣቅሑት ቢሮ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ)፣ ንሕትመት 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ በብበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ብኽልተ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ዝኾነ ይኹን ተወዳዳራይ ብቤት ዕዮና ዝተዳለወ ሰነድ ብኽፋል ምቅራብ ኣይከኣልን።

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ኣድራሻና- ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 34 እዩ። 

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 -408757 /0344-408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::