https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5787
ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ናውቲ ቢሮ ማለት ፈርኒቸር፣ ዓመታዊ ሕፅበት መኪና (ላቫጆ) ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ፣ዓመታዊ ኣገልግሎት መጓዕዝያ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ወይ ክካረ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 6, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥሪ 21, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥሪ 21, 2011 03:32 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ : ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድሉን : ናይ መቅረባይነት ምዝገባ መለለይ መረዳአታ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ የድሊ።

2 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00 ብሸም ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዮጰያ ንግዲ ባንክ ሒሳብ ቁፅሪ 1000012030839 ኣታዊ ገይርኩም ቅብሊት ሒዝኩም ብምቅራብ እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ደኩሜንት ካብ ክፍሊ ቁፅሪ 12 ጉጅለ ዕደጋ ምዉሳድ እትክእሉ ምካንኩም ንሕብር።

3 መኸበሪ ጨረታ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተገሊፁ ይርከብ።

4 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ሙሉእ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

5 ቢሮና ናይ ጨረታ 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

6 ሳንዱቅ ጨረታ 21/05/2011 ዓ/ም ንጉሆ 3:30 ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዝተረከብሉ ኣብ ኣዳራሽ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር ንብረትን ይክፈት።

7 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403663 ወይ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል።