https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5777
ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ናይ ኮንስትራክሽን ኤሌክትሪክን ሳኒተሪ ኣቀሑት ብግልፂ ጨረታ አዋዳዲሩ ከወግድ (ክሸይጥ) ይደሊ። በዚ መሰረት ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ረቆሒታት ብምምላእ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥሪ 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 22, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥሪ 22, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ብውልቀ ይኹን ብትካል ምስታፍ ይከኣል እዩ።ተጫረቲ እዚ ንብረት ኣብ ከተማ መቐለ ፣ ወልቃይት ፣ማይጋባ፣ዝርከቡ ሳይታት ማይ ሑመርን ኣብ ኣክሱምን ዝርከብ ናይ ስራሕ መኽዝን ብኣካል ከይድኩም ምርኣይ ይከኣል።

2 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ቤት ዕዮና ጉጅል መራሒ ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 14 ኣብ ቤት ፅሕፈት ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳር ኣባይቲ ክልል ትግራይ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ 06/05/2011ዓ/ም ክሳብ 22/05/2011ዓ/ም ምውሳድ ትኽእሉ፤

3 እዚ ጨረታ 22/05/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ይኽፈት።

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ብር) ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ ኣለዎ::

5 ተጫረቲ እዚ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ የቅርቡ።

6 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ተጫረቲ ተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344- 41 85 09 ወይ 0344 41 85 16 ብምዳዋል ምሕታት ይኽእሉ::