https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5775
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲጉዶም ኣብ 2011 ዓ/ም በቲ ናይቲ ኮሌጅ መደበኛ በጀት ካፒታል በጀትን ዝተፈላለዩ ንምምሃር ምስትምሃር ንቴክኖሎጂ መስርሒ፣ ንሓፂር ስልጠናን ግልጋሎት ቢሮ ዝውዕሉ ናይ መሰርሒ ህንፃ፣ ኣቅሑት ኣይቲ (IT) ፣:ኣቅሑት ኣዉቶሞቲቭ ፣ መሳርሒ ፅህፈት: ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥሪ 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 20, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:ዓዲ ጉዶም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 20, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩም፤

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም፤

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም፤

5 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፍኬት ናይ 2011 ዓም ክተቅርቡ እትክእሉ፤

6 ኩሉ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም : ፊርማ : ማሕተም  ብምግባር  ከቅርብ ዝክእል፤

7 መክበሪ ጨረታ ንህንፃ መሰርሒ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ : ኣቅሑት ኣይቲ (IT) መሳርሒ ፅህፈት:  ድማ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንኣቅሑት ኣውቶሞቲቭ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘቅርብለኩም መረዳእታ ክተቅረቡ ትክእሉ፤

8 ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለተ ጀሚሩ ኣብ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ሰዓራይ ኣካል ኣብቲ ዝሰዓሮ 20% ሚኢታዊ እቲ ኮሌጅ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ዝክል ይከዉን፤

11 ኣብ ዝወፀ ጨረታ ሰነድ ወይ መምርሒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዘግብር ምካኑ፤

12 ሰነድ ጨረታ ንህንፃ መሳርሒ50.00 ቅርሺ፣ ንአዉቶሞቲቭ ንፅሕፈት መሳርሒ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል።

12 ምልክታ ካብ 04/05/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቁፀሪ 8 ኬዝ ቲም ምዉሳድ ትክእሉ።

13 ብተወሳኪ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ255 /2007 ተፈፃሚ ይከዉን።

13 ሰዓራይ ኣካል ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓዲ ጉዶም ንብረት ክፍሊ ከረክብ አለዎ እትመልእዎ ዋጋ ሰዓራይ ክሳብ ዝፍለጠ 40 ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፀንሕ ከምዝክእል ብፊርማኩም ክተረጋጉፁ ትክእሉ።

14 ሳንዱቅ ጨረታ 20/05/2011 ዓም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዛይ ምርከቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጎጎልን።

15 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ኣብናይ መንግስቲ እግድ ዘይብሎም ይከዉን።

16 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-370592 /0914-024310 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።