https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5747
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጂን ወረዳ ዓድዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ምጉዕዓዝ ከባብያዊ ማተሪያል እምኒ፣ ሑፃ፣ ጃህያን ሲሚንቶን : ከምኡውን ካዕቲ ማይ ማእኸላይ ናይ ጎዳጉዲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ከጎዓዓዝን ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 2, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 24, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7000.00
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 24, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ስራሕቲ ማይ/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ በበዚ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም 

2 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ናይ ማይ ስራሕቲ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝኽእሉ፤ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኾኑ ፤

5 ተጫረቲ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤

6 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን።

7 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 7000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዘቅረቦ ዝሰዓሮ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ርኽክብ ይፍፀም።

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 03/05/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 በምዉሳድ ትክእሉ።

10 ናይ ካዕቲ ማይ ማእኸላይ ጎዳጉዲ መቅረቢ ዝኣኽለሉ መዓልቲ 24/05/2011 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ይክፈት።

11 ናይ ከባብያዊ ማተሪያል ዝኣኽለሉ መዓልቲ 24/05/2011 ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 5:30 ንጉሆ ይክፈት።

12 ናይ ሲሚንቶን መሳርሒ ህንፃ መቅረቢ ጨረታ ድማ 24/05/2011 ሰዓት 8:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ንጉሆ ይክፈት።

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-712321 ወይድማ 0347-712160 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።