https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5746
ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ጉሎመከዳ ከተማ ፋፂ ቱቦን መገጣጠሚ ቱቦን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 2, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥሪ 21, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ጉሎመከዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥሪ 21, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ምስቲ ስራሕ ኣግባብነት ዘለዎ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ፣ ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ፣ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩም፣

3 ናይ ጨረታ መክበሪ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ብር  ከትሕዙ ዝክእሉ፣

4 ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ምስተነገሮ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልትታት ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታ ኣብ ቁፅሪ ክፍሊ 08 ዘይምለስ 50.00 ብምኽፋል ካብ 30/04/2011ዓ/ም ክሳብ 20/05/2011ዓ/ም ሰዓት 2:30 ቅድሚ ቀትሪ ክትወስዱ ትኽእሉ፤

6 ጨረታ 21/05/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ይኽፈት።

7 ዘእተውዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ትካሎም ማህተምን ፌርማን ብዘለዎ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክኣቲ ይግባእ።

8 ኣብቲ ትመልእዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ድማ ፌርማ በዓል ዋና እንተዘይዓሪፍዎ ውድቂ ይኸውን።

9 ተጫረቲ ጨረታ ዝመልእዎ ሰነድ ናይ ቤት ፅሕፈቶም ማህተም ዝዓረፎ ብዋና (ኦርጅናል) ተመሊኡ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ።

10 ተጫረቲ ዘድልዩ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ፈላለዮም ከቅርቡ ኣለዎም።

11 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ፋፂ ዘቅርቡ ክኾኑ ኣለዎም።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344-340201 ሞባይል 0914-522099 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።