https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5742
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ማይ ፀብሪ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ንብረታት ማለት መሳርሒ ህንፃ፣ ቀላሚጦስ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 1, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 16, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 16, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን

2 ሒሳብ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎ

3 ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾነ ናይ ወርሒ ሕዳር/ታሕሳስ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ ዘድሊ መረዳእታ ዘይምለስ ቅዳሕ ግልፅን ተነባብን ገይሩ ዘቅርብ፤

4 ኣብ ዝመልኦ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ካብ ዋና ንብረት ወፃኢ ምቅራብ ካብ ዝተቐመጡ ዝርዝር ወፃኢ ኣብ ዘይ ዘፈር ንግድኻ ምውድዳርን ካልኦትን ጨረታ ዘዛብዑ ስራሕቲ ዘይፍቀድ ምዃኑ ዝርዝር ወመዳደሪ ከይተለወጠ እቲ ትካል ብዝመረፆን መርኣያ መሰረት ዘቅርብ፣

5 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ መዓልቲ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ማይ ፀብሪ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 5 ብምውሳድ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ማይ ፀብሪ ዝተዳለወ መቀበሊ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል።

6 ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ንብረት ክፍሊ እቲ ትካል ከቅርብ ዝኽእል፤

7 መኸበሪ ውዕሊ 10% ዘትሕዝ ንዝመልኦ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊሱ ዝመልእ፤ መኸበሪ ጨረታ ሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ዘትሕዝ ኮይኑ ንነፍሲ ወከፍ ዘፈራት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ኣለዎም።

9 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 30/04/2011ዓ/ም ክሳብ 16/05/2011ዓ/ም እንትኸውን ጨረታ 16/05/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ማይ ፀብሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።ብዘይ ምህላዎም ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

10 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ንተኸታታሊ 45 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ውዕሊ ካብ ዘኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝተውሃቦ መዓልታት ፅሬት ዘለዎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ መፀዓንን መራገፍን ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

11 እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 እቲ ኮሌጅ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0348-903180 ምድዋል ይከኣል።