https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5646
ሆስፒታል መቐለ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 20, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 26, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ታሕሳስ 26, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ቲን ቁፅሪ መረጋገፂ ዘቅርብ  :ኣብ ሐዱሽ መቅረብቲ ዝርዝርን ዝተመዝገቡን ምካኑ ቫት ተመዝገበቲ ምካኖም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ ፤

2 መክበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ብጥረ ገንዝብ ወይም ብባንኪ ዝረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ኮይኑ መኸበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ዝተትሕዙ ተጫረቲ ኣብ ውሽጢ ፖስተ ተዓሺጉ ናብ ሳጥን ከእቱ ይግባእ፤

3 ዝሰዓረ ተጫረቲ ንዘቅርብዎም ኣቅሑት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ኣብ ሆስፒታል መቀለ የረክብ።

4 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መዐሸጊ ፖስታን ሽሞም ፊርማን ናይ ትካሎም ማሀተምን ከዕርፍ ይግባእ

5 ዋጋ ጨረታ ሰነድ ብር 35. ብር እዩ

6 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 12/04/2011 ጀሚሩ ክሳብ 26/04/2011ዓ/ም ንተከታተለቲ 15 መዓልትታት ሰነድ ጨረታ ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን /ፋይናንስ ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 62 እነዳገዛእኵም ምዉሳድ ይክእል።

7 ሰነድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ኣብ ናይ ትካልና ዘዳለዎ ዝርዝር ዝሐዘ ሰነድ ጥራሕ ክከዉን አለዎ ካብዚ ወፃኢ ተቀባለነት የብሉን።

8 እዚ ጨረታ ዕለት 26/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ሰብ ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

9 እዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን60 መዓልቲ ይኸውን።

10 ዝቀርብ ሰነድ ጨረታ ዝተማልአ ኮይኑ እነተተረኪቡ በዓል ዋና ብዘየብሉ ክከፈት ይክእል።

11 ሆስፒታል መቀለ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ