https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5581
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ምድብ 1- ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ላፕቶፕ፣ ዲስክ ኮምፒዩተር ፣ ምድብ 2 ናይ ምርምር መሳርሒ ኣቅሑት (poultry Equipment) ፣ ጀነሬተር በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 16, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 3, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 3, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፖልትሪ ቢ ኣኒማል ሃስባንድሪይ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ: መቅረባይነት ሰርተፊኬት :ቲን ናምበር :ቫት ሰርተፈኬት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብስም ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም  ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻል ቴክኒካል ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ከቀርብ ዘለዎ እንትኮን ብተወሳኪ ፋናንሻል ቴክኒካል ኮፒ ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ታዓሺጉ ክቀርብን ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50.00  ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪቑፅሪ 0344-402801 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 16/04/2011 ዓ/ም እስካብ 03/05/2011 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 03/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፀሪ 0344-417798/402801 ፋክስ 0344-408028 ምድዋል ይከኣል።