https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5563
ሆስፒታል መቐለ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት : ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግይ ደደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 13, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 26, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:35
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ታሕሳስ 26, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ቲን ቁፅሪ መረጋገፂ ዘቅርብ "ኣብሐዱሽ መቅረብቲ ዝርዝር ተመዝጋቢ ምካኑ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ ዝክእሉ::

2 መከበሪ ጨረታ ብር 5,000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ኮይኑ መክበሪ ጨረታ ብስፕኦ ዝተትሕዙ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ ፖስታ ተዓሺጉ ናብ ሳጥን ክአቱ ይግባእ ካብዚ ወፃኢ ኣይነተኣናግድን

3 ዝሰዓረ ተጫረቲ ንዘቅርቦ ኣቅሑት ናብ ሆስፒታል ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከምፅእ ዝክእል

4 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዝሐዘ ሰነድን ኣብ መዕሸጊ ፖስታን ሽሞም ፊርማን ናይ ትካሎም ማህተምን ከዕርፉ ይግብእ

5 ዋጋ ጨረታ ሰነድ ብር 35 እዩ

6 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ እዋን ካብ ዕለት 12/4/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 26/4/2011 ዓ/ም ንተካታታሊ 15 መዓልቲታት ሰነድ ጨረታ ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ፋይናንስ ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 62 እንዳገዛእኩም ምዉሳድ ትክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ዝምላእ አብናይ ትካልና ዘዳለዎ ክከዉን አለዎ ካብዚ ወፃኢ ተቐባልነት የብሉን

8 እዚ ጨረታ ዕለት 26/4/2011 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ሰብ ዋና ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብዘለዉሉ ይከፈት

9 ቤት ዕዩና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ በጀትና ዝፈቐዶ እነገዝእ ምካና

 ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0932063504 ምሕታት ይካኣል::