https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5440
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኣብ 2011 ዓ/ም 1ይ መንፈቅ ዓመት ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተኣከቡ ዝወገዱ ዝተፈላለዩ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 6, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ዘቀረበዎ ዋናን ቅዳሕን ንበይኑ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ክፃሓፍ ኣለዎ።

2 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ መረዳእታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ከዕርፉ ይግባእ።

3 መኸበሪ ጨረታ ንኩሉ ዓይነታት ንብረታት ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ኾይኑ 2000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ኣለዎ።

4 እቶም ንብረታት ኤሌክትሮኒክስ፣ ቁርፅራፅ ሞራለ ፋይል ካብኔት ዩፒኤስን ዝተፈላለዩ ንብረታትን መሳርሕታት እዮም።

5 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ከልዕሉ ኣለዎም።

6 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ከምኡውን ዝተማልአ መረዳእታ ይኽፈት።

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 30 መዓልቲ ይኸውን።

8 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 05 ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

9 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ 02/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/04/2011 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዕለት 17/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 ኣብ ተቅርበዎ ሰነድ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

12 ብዝተፈላለየ መንገዲ ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ከይሳተፉ ይገብር።  

13 ተጫረቱ ድሕሪ ሳንዱቅ ምኽፋቱ ኣብ ጨረታ ምስታፍ ኣይከኣልን።

መብርሂ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 0343-400033 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።